top of page

"ሳቋማ" ዝተብሃለ መድረኽ

ናይ KG-12 STEM ትምህርትታት ክምኡእውን ናይ ቋንቋ ስልጠና ዝህብ ተምሃሪ ተኮር መድረኽ እዩ። 

“ሳቋማ” ብዩቲዩብ ቻናል ፣ ብድሕረ-ገፅ ን ብሞባይል አፕሊኬሽን ኣቢሉ ንተምሃሮ ዘረድእ መድረኽና እዩ። ኣብ ይመሃሩ ናይ KG-12 STEM ትምህርትን ናይ ቋንቋ ስልጠናን እናሃነፅና ንርከብ፡፡

 

እናዓበና እንትንኸይድ ናይ ሞያ ትምህርቲ ፣ ላዕለዋይ ትምህርትን ናይ ግሊ ዕብየት ዝድግፉ ካልኦት መድረኻት ከም እነጠቓልል ተስፋ ንገብር፡፡

platform_twophones.png
platform_phone_with_player.png

ኣጠቓቐምኡ ቐሊል

ናይ ሳቋማ አፕሊኬሽን 

ብስትሪሚንግ "streaming" ፍሉጣት ዝኾኑ አፕሊኬሽናት ዝጥቀሙሉ ሜላታት ኣብ ጥቅሚ ብምውዓል ቀሊልን ብዙሕ ትምህርትታት ናይ ምምሕልላፍ ብቕዓት ዘለዎን እዩ። ብዘይምንም ፀገም ቪዲዮታትና ዳውንሎድ ብምግባር ከም ዝደለይዎ ምርኣይ ይኽእሉ እዮም።

 

እቲ አፕሊኬሽን ካብ ግዘ ናብ ግዘ ስለዝመሓየሽ ምስ ድርጅትና ሓቢሩ ዝዓቢ እዩ። 

ተበፃሕነት ዘለዎ

ሳቋማ ብደረጃ መረብ

ብዝኾነ ዓይነት ስማርት ናይ መራከቢ መሳርሕታት ክርከብ ዝኽእል እንትኸውን ትምህርትታት "ስትሪም" ምግባር ትኽእሉ ኢኹም።

2.png
platform_raspi.png

ኢንተርኔት እንተዘይህሉኸ?

ኢንተርኔት ዘይብሉ ናይ ትምህርቲ ጣብያ

ናይ ኢንተርኔትን ናይ ዳታን ፈነወ ኣብ ኢትዮጽያ ሎሚ እውን ተበፃሕነት ይጎድሎ እዩ። እዚ ፀገም ንምፅዋር ናይ ዲጂታል ትምህርቲ ንኹሉ ንምብፃሕ ብኻሊእ ዓይነት ቴክኖሎጂ ንጥቀም። 

ኣናእሽቶ ሰርቨራትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርትታትን ተምሃሮን ኣብ ዝርከቡሉ ቦታታት ብምግጣም ትምህርትና ብዘይ ምንም ኢንተርኔት ዳውንሎድ ንምግባር የኽእል። እዚኦም ሰርቨራት አጠቃቅምኦም ቀለልን በቀሊሉ ዘይበላሸዉ እዮም።

bottom of page